መልእኽቲ ሓላፊት ቢሮ ሲቪል ስርቪስ ክልል ትግራይ

  

 

 

 

ወ/ሮ  ሰብለ ካሕሳይ 

መልእኽቲ ሓላፊት 

banner

×

Notice

Folder doesn't exist or doesn't contain any images

ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንኣርባዕተ መዓልታት ከሳልጦ ዝቐነየ ስሩዕ ጉባኤ ዝተፈላለዩ ኣዋጃትን ሹመታትን ብምፅዳቕ ዛዚሙ

User Rating: 0 / 5

Star InactiveStar InactiveStar InactiveStar InactiveStar Inactive
 

Tigrayኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ጥሪ፣ 2011 (ኤፍ ቢ ሲ) ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንኣርባዕተ መዓልታት ከሳልጦ ዝቐነየ ስሩዕ ጉባኤ ዝተፈላለዩ ኣዋጃትን ሹመታትን ብምፅዳቕ ዛዚሙ።

ኣብ ፃንሒቱ፥ ልዕሊ 600 ሚሊየን ብር ተወሳኺ በጀት፣ ዝተፈላለዩ ኣዋጃትን ሹመት ሬጀስትራራትን ኣፅዲቑ።

እቲ ተወሳኺ በጀት ኣብቲ ክልል ካብ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት እቶት ዝተረኸበ እንትኸውን፥ 65 ነጥቢ 9 ሚሊየን ብር ንስሩዕ 274 ነጥቢ 1 ሚሊየን ብር ድማ ንካፒታል ፕሮጀክትታት ዝውዕል እዩ።

 

ዝተረፈ ድማ ብብርኪ ክልልን ኣብ ገፀር ወረዳታትን  ንዝተሓዝ መሐለውታን ዝኸውን እዩ ተባሂሉ።

ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቶም ዝቐረቡ ረቀቕቲ ኣዋጃት ድሕሪ ምዝታዮም ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቐምዎም ኣለዉ።

ንሓረስቶት ዝወሃብ ልቓሕ ኣመልኪቱ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ፥ ሓረስቶት ንዝዕድግዎም እታዎት ዝኸውን ካብ ንግዲ ባንኪ 850 ነጥቢ 3 ሚሊየን ብር ንምልቃሕ ውሕስነት ዝህብ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ኣብ ገፀር ንቤተሰብ ተኮር ፓኬጅን መሬት ዘይብሎም መናእሰይን ካብ ትካል ዕቋርን ልቓሕን ደደቢት 450 ሚሊየን ንምልቃሕ ውሕስና ዝህብ እዩ ተባሂሉ።

ግልጋሎት ጥዕና ንምምሕያሽ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ እውን፥ ትካላት ጥዕና ፍልፍል እቶተን ብምዕባይ ግልጋሎት ኣወሃህበአን ዘመሓይሻሉ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብ ፀገም ዘለዉ ተጋደልቲ ናፃ ግልጋሎት ሕክምና ንክፍቀደሎም ዘኽእል ረቂቕ ኣዋጅ እውን ፀዲቑ ኣሎ።

ብተወሳኺ እቲ ኣዋጅ ምስ ስራሕ ብዝተተሓሓዘ ንጥዕነኦም ኣብ ዝፃባእ ከባቢ ንዝሰርሑ ሰብ ሞያ ጥዕና ሙሉእ ናፃ ሕክምና ንክረኽቡ ዘኽእል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብ መወዳእታ ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ዶክተር ፋና ሓጎስ ብመሰረት ዘቕረብኡ ሕፀ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ፍርዲ ተመዲቦም ዝሰርሑ 6 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም 49 ዳያኑን ረጂስትራራትን ሹመቶም ብምፅዳቕ እቲ ቤት ምኽሪ ከካይዶ ዝቐነየ ስሩዕ ጉባኤኡ ትማሊ ኣማሲዩ ዛዚሙ።

© 2019 Your Company. All Rights Reserved. Designed By Alene G

Please publish modules in offcanvas position.